10 September 2026
"ንእሱራት ክንጣበቕ ከለና ዓቢ ዕንቅፋት ዘጋጥመና ካብ ስድራ ቤት እሱራት'ዩ።" ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
About
ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉ እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩሉ ኣብዘሎ ካብቶም ንፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝመስረቱ ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም ዓዲምና ብዛዕባ ኣመዓባብላን ምዕጻውን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን እሱራትን ዝምልከት ዝርርብ እዩ። ጋዜጠኛ መሓሪ እታ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ "መስትያት" ብእንግሊዝ ድማ "The Miror" ዝመስረተ እዩ። ናብ ስደት ምስ ኣምረሐ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ናይ ፖሎቲካ እሱራትን ንማሕበረሰብ ዓለም እናጠርዐ ክጣበቕ ዝጸንሐ እዩ። ካብ ምጅማር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክሳብ ምዕጻውን ሃለዋት እሱራትን ዝምልከት ሰፊሕ ቃለ መሕትት።
#sbsaudiopodcast
#sbsaudiopodcast