Skip to content
zeno
Create a Station
Explore
Podcasts
Audiobooks
Bible
By Genre
By Location
By Language
Religious
Music
News
Download App
Opens in a new window
Toggle Sidebar
zeno
SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Daily News
Society & Culture
Tigrinya
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Website
Episodes
Episodes
300
20 October 2026
ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂብ "ኣዝዩ ከቢድ፡ ከቢድ ፡ ከቢድ ሳዕቤን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜናታት 21 ጥቅምቲ )
** ኣባል ፓርላማ ሀለን ሄንዝ ኣብ ከቢድን ግን ርጉእ ኩነታት ኣብዘላትሉ፡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥጣ መለጺ ክወሃቦም’ዩ ... ** መንግስቲ UK ንሱዕዲ ዓረብ ዝህቦ ወተሃደራዊ ድገፍ ከምዘስፍሖ ኣፍሊጡ...#sbsaudiopodcast
6 min
20 October 2026
“ተበራቢረ፡ ንገዛእ ርእሰይ ድማ ረኺበያ’ለኹ።” ሃይለ ገብሩ
ሃይለ ገብሩ፡ ብሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ዝፍለጥ፡ ኣብ ንእስነቱ “ኣምላኽ የለን” ንዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንምምጓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዘንበበ ድሒሩ ግና ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝሰበኸሉ ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣብ ጥቓ ሱዳን ብህዝባዊ ሓልታት ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ከምኡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመት ዝኣተወ እዩ። ሃይለ ገብሩ ኣብ ፖሎቲካን ንግድን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። ብወዲ ማልታ ሓሳብን ጸሕፍን Edward de Bono ተጸልዩ ብ ደ ቦኖ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ደጋጊሙ ብምንባብ ኣብዚ ኣተሓሳስባ ምርኩስ ዝገበረ...
51 min
19 October 2026
ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ብማኪና ተጋጭያ፡ ፖሎቲካዊ ምንህሃር ከይህሉ መጠንቀታታት ቀሪቡ፡ (ዕለታዊ SBS ዜና ትግርኛ 20 ጥቅምቲ)
** ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ሄለን ሃንዝስ ብመኪና ድሕሪ ምውቃዓ፡ ፖሎቲካዊ ጎንጺ ተኾኒኑ። ** ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ዝተፈጸመ ጎኖጻዊ ዕግርግር ምጽርራይ ዕንወት ክግበር ጀሚሩ። ** ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ማእከል ታዕሊም ብሰለስተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ሖቲ ተወቒዑ።#sbsaudiopodcast
4 min
19 October 2026
How laws change, and why it takes time | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይቕየሩ፡ ንምንታይ ከ ግዜ ይወስድ፧ | How Australia Works
How do laws change in Australia? Through Rodney Croome’s campaigns for human rights and marriage equality, learn how personal stories, community action, courts and parliament can help change the law, and why the process can take time. - ሕግታት ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ'ዮም ዝቕየሩ፧ ሮድኒ ክሩም ብዘካየዶም ጎስጓሳት ንሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት መርዓን፣ ውልቃዊ ዛንታታት፣ ተበግሶ ማሕበረሰብ፣ ኣብያተ ፍርድን ባይቶን ከመይ ኢሎም ሓደ ሕጊ ክልወጥ ከምዝሕግዙን ንምንታይ እዚ መስርሕ ግዜ ክወስድ...
7 min
19 October 2026
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026)
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026)#sbsaudiopodcast
47 min
19 October 2026
ን ኢትዮጵያ ዝገጥምዋ ዘለዉ ዕጡቓት፡ 'ሓይልታት ምግንጻል' ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ሩብዮ ገሊጽዎም፡ (ዕለታዊ ዜና 19 ጥቅምቲ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኤውሮጳ ብሰንኪ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ብዝኻየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተታሒዛ ትርከብ፣ ኣብ ፈረንሳ፣ ቤልጅየም፣ ፖርቱጋል፣ ኣልባንያን ኢጣልያን ዓበይቲ ሰልፍታት ተኻይዶም። መንግስቲ ለበር ክፍለ ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ምርጫ እንተተመርጹ፡ ኣብ ምሉእ ዓመተ 2027 ኣብ ሰሙን ክፍሊት ጽርግያታት (Road toll ) ካብ 30 ዶላር ንላዕሊ ከምዘይከውን ቃል ኣትዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ተዛሪቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢልዎም።#sbsaudiopodcast
10 min
18 October 2026
"ሰራዊት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘዋፍሩሉ እዋን፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ክዓቢ ዝኽእለሉ ሓደጋ ኣሎ።" ማርኮ ሩብዮ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢሉ ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይድግፍ ገሊጹ።#sbsaudiopodcast
2 min
18 October 2026
Are immigration cuts an economic solution or a political strategy? - ምንካይ ቁጽሪ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ቁጠባዊ ፍታሕ ድዩ ወይስ ፖለቲካዊ ስትራተጂ?
Australia's immigration debate has shifted dramatically. Despite no imminent federal election, both major parties are backing policies to reduce migration numbers and limit international students. - ክትዓት ብዛዕባ ኢሚግረሽን ኣብ ኣውስትራልያ ብዝለዓለ መጠን'ዮም ተቐይሮም። ክሳብ 2028 ፈረደራላዊ ምርጫ ዘይካየድ እንተኾን'ኳ ክልቲኦም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንምቕናስ ቁጽሪ ፍልሰትን ምድራት ቁጽሪ ናይ ደገ ተመሃሮን ፖሊሲታተን ክሕግዙ'ዮም ኢለን ይማጎታ'ለዋ።#sbsaudiopodcast -...
12 min
18 October 2026
ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ተበጊሳ። (ጸብጻብ)
ኣውስትራልያ ንደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ንምትብባዕ ውጽኢታዊ ስራሕ ትሰርሕ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ኤርትራዊት ኣብነታዊት ኣንስተይቲ ሓረስታይ ሓንቲ ካብ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ተበግሶ ወሲዳ። ህወሓት ብፌደራል መንግስቲ ንዝቖመ 'ሞጕዚት ምምሕዳር' ትግራይ ነፂጉዎ። ኣብ ጋምቤላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም፤ ምዕጻው ጽርግያታት ንከተማ ጋምቤላ ምስ ከባቢኣ ከይትራኸብ ከም ዝገበረ ውን ተሰሚዑ።#sbsaudiopodcast
7 min
15 October 2026
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያ ምስ ካልኦት ጉጅለ መራሕቲ ዓለም ብምዃን ነቲ ፕረዚደንት ፍልስጤም ሓፈሻዊ ምርጫ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ውሳነ ኮኒናቶ። ** ምልሻታት ሑቲ የመን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ብስዑዲ ዓረብ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ባርዕ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ። ** ኣሰልጣኒ ካንጋሩስ ኬቪን ዋልተርስ ጋንትኡ ኣቐዲማ ክትዕወት ምዃና ገሊጹ።#sbsaudiopodcast
9 min