Skip to content
Opens in a new window
" መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ'ሎ።" ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ።
19 August 2026

" መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ'ሎ።" ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ።

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

About
ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተኻየደ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊጾም። ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ "ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ " ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንመንግስቲ ፌደራል ከሲሱ። ኤርትራ ንኲናት ዝዕድምን ልኡላውነት ዝትንክፍን ዝበለቶ ምንቅስቓሳት ኮኒና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋጋ ብር ንምዕቃብ ቢልዮናት ዶላር ኣብ ዘፍስሰሉ ዘሎ እዋን ዋጋ ብር ታሪኻዊ ውድቀት ኣመዝጊቡ። ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ።