About
ኣርእስታት ዜና፥ ሕማም ጉንፋዕ ኣዕፋ- H-5N-1 ንፈለማ እዋን ኣብ መጥበውቲ ምር ኣዩ ሻቕሎት ፈጢሩ። ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመራርጻ ፕረዚደንት፣ ሰንደቕ ዓላማ ፣ ኣመራርጻ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ከምኡውን ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ጉዳያት ብዘይምስምማዕ ተዛዚሙ ። ሰለስተ ተጻወትቲ ኣርጀንቲናን ሓደ ተጻዋታይ ስጳኛን ፡ ኣብ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብዝፈጸምዎ ናይ ዲሲፕሊን ጉድለት ተቐጺዖም ።