ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ሚያዝያ 2026)
13 April 2026

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

About
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ፓኪስታን እተኻየደ ዝርርብ ሰላም ብዘይ ስምምዕ ድሕሪ ምዝዛሙ ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ብቕጽበት" ክዕገት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣዞዙ ። ኣብ ሃንጋሪ እተገብረ ባይቶኣዊ ምርጫ እታ ሃገር ፡ ናይ ፒተር ማጋር ሰልፊ ቲሳው ከምዝሰዓረ ድሕሪ ምፍላጡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ስዕረቱ ተቐቢሉ። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ቤልጁማዊ ዋት ቫን ኣርት ነቲ ናይ ዓለም ሻምፕዮን ዝኾነ ታድ ፖጋቻ ብምቕዳም ኣብ ዉድድር ፓሪስ ሮይ ተዓዊቱ።