
About
ኣርእስታት ዜና፥ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንኣውስትራሊያውያን ስድራቤታት ኣባላት ኢምባሲን ሰበስልጣንን ካብ እስራኤልን ሊባኖስን ክወጹ መምርሒ ሂቡ ። ኣብ ሶማል ብሰንኪ ነዊሕ ደርቂ 6.5 ሚልዮን ሰባት ብርቱዕ ጥምየት የንጸላልዎም ከም ዘሎ መንግስቲ ሶማልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሊጦም ። ወከልቲ ናይዚ ዓመት "ዚ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዘአንግዳ ከተማታት ፡ ካብቲ ፍጻመ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ናይ ከቢድ ጸጥታዊ ውሕስነት ስክፍታ ከም ዝስምዖም ገሊጾም።