Skip to content
Opens in a new window
ሓደ ሰሙን ዝሓለፎ ሓድሕዳዊ  ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ ። (ጸብጻብ)
30 September 2026

ሓደ ሰሙን ዝሓለፎ ሓድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ ። (ጸብጻብ)

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

About
ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ኣብ 3 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዝርከቦም ወገናት እቲ ሓድሕዳዊ ኲናት ጠጠው ክብል ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ። ምምሕዳር ዓፋርን ክልተ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ጉጅለታት ዓፋር ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ክብሉ ከሲሶም። ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉማጅ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብፂ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

#sbsaudiopodcast