Skip to content
Opens in a new window
ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር  ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ (ጸብጻብ)
26 August 2026

ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ (ጸብጻብ)

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

About
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ : ደገፍ ኣውስትራልያ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዝጭበጥ ውጽኢት የምጽእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ልዕሊ 25 ምዕራባውያን ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ዝርርብ-ሰላም ኣብ ትግራይ ድጋፈን ገሊፀን። ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ ኣላ። ኢትዮጵያዊት ሩት ይርጋለም ወልደስላሰ፡ ድማ ብካልኣይ ደረጃ ትስዕብ ኣላ። እቲ ኣብ ቬትናም ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ውድድር ብድምጺ ህዝቢ ብመሪሕነት ኤርትራዊት፣ ኢትዮጵያዊትን ናይጄሪያትን ተወዳደርቲ ደሚቑ ይቕጽል ኣሎ። ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ።