Skip to content
Opens in a new window
ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ሓገዝ ክስእኑ ከግብር ዝኽእል፡ ዝተመሓየሸ ሓድሽ ሕጊ NDIS ጸዲቑ ።
19 August 2026

ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ሓገዝ ክስእኑ ከግብር ዝኽእል፡ ዝተመሓየሸ ሓድሽ ሕጊ NDIS ጸዲቑ ።

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

About
ብዛዕባ ማዕከን ሃገራዊ መድሕን ስንክልና ዝምልከት ዝተመሓየሸ ሕጊ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓርላማ ክትዕ ክግበረሉ ድሕሪ ምቕናይ ብደገፍ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ኣሎ ። እቲ ሕጊ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ባጀት ግንቦት ዝቐረበ ምጉዳል ወጻኢታት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ክቑጠብ ዝድለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት 37.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ። ግሪንስ: ገለ ኣባላት ፓርላማ ናይ ጎኒ መናብር: ከምኡውን ተጣበቕቲ ኣካለ ስንኩላን ነቲ መስርሕ ብታህዋኽ ከም እተኻየደን ጕድኣት ከምጽእ ምዃኑን ይዛረቡ ። እተፈላለዩ ተጣበቕቲ እውን ፡ ኣብ መንግስታት ግዝኣታት ዝምሕደር ኣማራጺታት ኣብ ግዜኡ ድሉው እንተ ኰይኑ ይጠራጠሩ ፣ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ምጉዳል ባጀት ድማ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል እዩ ኢሎም ይምጉቱ ።