25 August 2026
“ኣብዚ እዋን ክደርፍ እንተኾይነ ናይ ብኽያት ደርፊታት ጥራይ እየ ክደርፍ ዝኽእል” ዮሱፍ ስዒድ
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
About
ኣብ ሰብዓታት ብጊታሩ ኣሰንዩ ዝደርፎም ዝነበሩ ምኡዛት ዜማታት ክሳብ ሎሚ ሓይሎም ኣይደኸሙን። ዮሱፍ ከም ግመለይ ግመለይ፡ ንፋታሕ ንፋታሕ፡ ምሳኺን ካልኦትን ዝብላ ደርፊታቱ ንብዙሓት መን እሰያት ልቦም ንፍቕሪን ሃገራዊ ስምዒት ዘንድዳ ካብ ሓያሎ ቁንጣሮ ደርፊታቱ እየን። ስነጥበበኛ ዮሱፍ ብዘይካ ደርፍታቱ ሃለዋቱ’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብዙሓት ከይፈለጥዎ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ እዚ ቃለ መሕት ምስ SBS ትግርኛ ኣብ ታሕሳስ 2015 ገበረ። ብዙሓት ድማ ዝኽሮም ተሃዲሱ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ስርሑ ክድህስሱ ተቐሲቦም። ሎሚ ድማ ሕልፈት ናይቲ ህዝቡብ ስነ ጥበባዊ የሱፍ ስዒድ ኣብዝስመዓሉ ዘሎ እዋን ደጊምና ናብ ሰማዕትና ነብሎ ዘለና። ስራሓት ዮሱፍ ዳግም ዝኽርኹም ንምሕዳስን፡ ስርሑን መን ምዃኑንን ንምፍላጥን ነዚ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።