zeno
Create a Station
Explore
Religious
Music
News
Podcasts
Bible
By Genre
By Location
By Language
Download App
Toggle Sidebar
zeno
SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Daily News
Society & Culture
Tigrinya
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Website
Episodes
300
26 March 2026
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (26 መጋቢት 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ- ነቲ ኣብ ኢራን ዘለዋ ቀንዲ ዕላማታት ክትበጽሖ ከምዝቐረበት ገሊጻ። ናይ ሱዳን ዕጡቓት ሰራዊት ንህጹጽ ደገፍ (RSF) ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ትርከብ ንከተማ ኩርሙክ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእተዉዋ ኣፍሊጦም ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ንኢስዋቲኒ ብ 2 ን 0 ስዒራ።
9 min
25 March 2026
ሓደ ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሱዳን ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ብምዃን ኣብ ዶብ መጥቃዕቲ ፈጺማ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ)
ብቐዳም ዝጀመረ ቀዳማይ' ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ንክልተ ዓበይቲ ንጥፈታት ቆላሕታ ሂቡ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መምህራንን ተምሃሮን ምቁራጽ ደመወዝ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፤ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ክግበር ድማ ጸዊዖም። ሕብረት_ኣፍሪቃ ንፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ_ኣፍሪቃን ቀይሕ_ባሕርን ገይሩ ሸይሙ። ኪዳን ሓሙሽተ ተቃወምቲ ሰልፍታት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኢትዮጵያ ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገም" ከምዘሎን "ንመረጻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ" ከምዝኾነን ገሊጹ። ሱዳናዊ ዕጡቓት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ኩርሙክ ከም ዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ። ሓደ ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሱዳን ብወገኑ ኢትዮጵያ ምስ...
7 min
25 March 2026
"ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ።" ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓጸርርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (25 መጋቢት 2026)
** ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ ክብል ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ። ** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ውግእ ዘሕደሮ ጽልዋ ምላሽ ንምሃብ ፡ ፊሊፒንስ ሃገራዊ ህጹጽ ኩነታት ጸዓት ኣዊጃ። ** ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሜክሲኮ ናብ ኩባ ኣምሪሓ ።
4 min
24 March 2026
"ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ህዝቢ ኣብ ሓዘንን ምጽንናዕን ዘርእዮ ዘሎ ምትሕብባር፡ ሓድሽ ምዕራፍ ሓድነት ዘመልክት እዩ።" ኣቶ ፍቕር ረታ (ራያ)
ማሕበረሰብ መልበርን ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከብ። ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ዝኾነ ኣቶ ፍቕረ ረታ (ራያ) ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከብ ኣባል ኩሉ ማሕበረሰብባት ኣብ ምብጻሕ ሓዘን፡ ኣብ ምጽንናዕ ብዘይ ኣፈላላይ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ሞጒሱ። እዚ ምትሕብባርን ምድንጋጽን ካብ ዝሓለፈ እዋን ብዝያዳ ሓይሉ ከምዝተራእየን ምስክሩ ገሊጹ ኣሎ። ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ት ኣቱ ክልተ ዓመት'ኳ እንተገበረት ብዝሓደራ ሕማም ካንሰር ኣብ ን ኡስ ዕድሚኣ ክልተ ቖልዑ (ማንታ) ገዲፋ ዓሪፋ። ስነ ስርዓት ቀብራ ድማ ኣብ ወረቢ ንዕለት 28 መጋቢት 2026 ክፍጸም እዩ።
17 min
24 March 2026
How to buy Indigenous art and craft ethically in Australia - ስነ ምግባር ዘለዎ ኣገባብ ምዕዳግ ስርሓት ስነ ጥበብ ደቀባት፡
Buying Aboriginal and Torres Strait Islander art can be meaningful, but how do you know if it's real and ethical? Fake art is still a problem in Australia, and protections are still developing. This guide helps you understand what to look for, what questions to ask, and where to buy safely. By choosing carefully, you can support First Nations artists and their communities. - ስነ-ጥበብ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ...
7 min
24 March 2026
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (24 መጋቢት 2026)
**ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከም ዝዝጀመረ ይገልጽ፡ እስራኤል ግና ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሊባኖስን መጥቅዕታ ከምትቕጽል ተፍልጥ። ** ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ስምምዕ ነጻ ንግዲ ይኽተም... ** ምምዝጋብ ካብዝጅመረሉ ኣትሒዙ ካብ 2015-2025 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ፡እቲ ዝወዓየ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተፈሊጡ ።
4 min
23 March 2026
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026)
ን ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን...
45 min
23 March 2026
"ንመጻብቦ ኩርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ክዓጽዎ'የ።" ኢራን፡ ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ኣውስትራሊያ [ANIC] ብ ኣባል ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነ ኣባል ፓርላማ-በርናቢ ጆይስ ንዝሃቦ ርእይቶታት ኮኒኑዎ። እቲ ብእስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ወራር ከም ዝፍጸም ዝሕብር ምዃኑ ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝነበረ ጆሴፍ ኣውን ገሊጹ ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ዝተካየደ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን እንተ ወሓደ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሓደ መንበር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ:
9 min
23 March 2026
ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። (ጸብጻብ)
ኣብ ሱዳን ርክብ ትግራይን ኤርትራን ዘጎልብት ዩ ዝተብሃለ መድረኽ ተኻይዱ ። ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ናብ ኩናት ክመልሳ ዘገድድ ጉዳይ " ተመዛበልትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሶም ዩ” ክብል ገሊጹ። ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ናይ 6 ከተማታት ሰበስልጣን ብዕጡቓት ተቐቲሎም።
6 min
22 March 2026
ስንብታ: ተቓላሲት ባህሊ ደቀባት ኣውስትራሊያ ሮዳ ሮበርትስ
ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። እታ ህብብቲ ጸሓፊት ፡ ተዋሳኢትን ዳይረክተርን ኣብ 2016 ስነጥበብን ዓቢ ጽልዋን ኣብ መድረኽን ስክሪን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ተሸላሚት ኦርደር ኦፍ ኣውስትራሊያ እያ። ስድራ ሮዳ ሮበርት ፡ ኤስቢኤስ ስእልን ድምጽን ክዝርግሕ ፡ ህይወታ ከኽብሩን ከዝክሩን ፡ ከምኡ 'ውን ነቲ ነባሪ ዝገደፈቶ ሓድጊ ህይወታ ክዝርዘር...
8 min